ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ታሕሳስ 2023) - a podcast by SBS

from 2023-12-04T13:25:57

:: ::

ናይ ሰኑይ 4 ታሕሳስ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ልብኹም ክሳብ ክንደይ ጥዑይ ከምዘሎ ትፈልጡዶ? ሕማም ልቢ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጠንቂ ሞት ብምዃኑ ጥዕና ልብኹም ከመይ ከምዘሎ ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ልብን ክግበር ብዛዕባ ዝግባእ ክንክንን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽን ምክልኻሉን ዝምልከት ዝጀመርናዮ ዛዕባ ሎሚውን ክንቅጽሎ ኢና ምስ ወ/ሮ ከዲጃ ካብዝተገብረ ዕላል ሎሚ ናባኹም ከነብሎ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጋሻ ኣብ በዓል ንግስ ሕዳር ጽዮን ኣኽሱም ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ። ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ለውጢ ነባሪ ኣየር ትሳተፍ ኣላ። ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ምርኢት ስእሊ ኣብ ናይሮቢ ተኻይዱ። ኣሜሪካ ገበነኛታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍረዱ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ትገብር ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ: ሶኑይ ብምዃኑ ድማ ዘዛንዩ ዜማታት ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ከተማ ጋዛ ዝሰርሑ ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት እቲ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ስምምዕ ተዂሲ ደው ምስ ኣበለ ቁጽሪ ሞት ብቕልጡፍ ክውስኽ ጀሚሩ ክብሉ ሓቢሮም ። ** ምንቅስቓስ ሑቲ ናይ የመን ፡ ሓይሊ ባሕሩ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ እስራኤል ፡ ከም ዘጥቅዐ ገሊጹ ። ** ኣሜሪካ ገበነኛታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍረዱ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ትገብር ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

Further episodes of SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Further podcasts by SBS

Website of SBS